Tuesday, August 28, 2012

መለስ እንተ ሞተ እቲ ዓላማ ዘገደፎ ግን ሰረት አለዎ


ኣብ ዕለት 21.08.2012 ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሞት ጠ/ሚኒስተር አቶ መለስ ዜናዊ ንኹሉ ደላይ ሰላምን ምዕባለን ዘሰነበደ አጋጣሚ ኢዩ። አቶ መለስ አብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣንጻር ገዛእትን ጸቐጥትን ስርዓታት ብኣታሕሳስባን ብኣካልን ዝተጋደለ ሰፊሕን ነዊሕን ራእይ ዝነበሮ መራሒ ኒሩ። አቶ መለስ ብዘይተጎልባብነት ምእንቲ ሓቂ ደሰርሕን ብዘይ ሰክፍታ ርእይትኡ ዝገልጽን አቦ ሰላምን ምዕባለን ኒሩ። አስከሬን አቶ መለስ ካብ ቤልጅም ንአዲስ አበባ አብ ዝኣተወሉ ሰዓት በማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ አብ ገማግም ጽርግያት ሽምዓን ጥዋፍን ብምሓዝ ከቢድ ሓዘኖም ክገልጹ ተራእዮም። ካልኦት ኣሽሓት ድማ ደድሕሪ አሰከሬን ዝሓዘት መኪና ክጎዩን ክነብዑን ተራእዮም። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ‘አቦ ድኻ’ ‘ኣቦ ድኻ’ ክብል ሙሉእ ለይቲ ድማ ኣሕለፎ። አቶ መለስ አብ ህይወት ዘመኑ ንኢትዮጵያ ካብ ፍጹም ድኽነት ናብ ጎደና ምዕባለ ዝመርሓን ንኹሉ ህዝቢ አብ ጎኑ አሰሊፉ ንድኽነት ንሓዋሩ ካብ ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ኣብ አፍሪቃ አብነታዊ ክኸውን ዝኽእል ምዕባለ ልምዓት አብ ዝሓለፈ 20 ዓመት አመዝጊቡ። አብ አትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸር ዓበይትን ንኣሽቱን ፋብሪካታትን ሰፊሕ ትሕተ ቅርጽን መሰረተ ልምዓት ድማ ተኺሉ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሕግን አገባባትን ትሓታትነትን ሰሪቱ። ስለ ዝኸነ ድማ ስልጣን ብቐሊል ገሰጋግር ንርእይ አሎና። እዚ አብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ኢዩ። ንኣብነት አብ ዝሓለፉ 120 ዓመታት ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ታሪኽ ከምዘርእዩ ብኣገባብ ዝተቐብረ መራሒ ኢትዮጵያ የለን። እዚ ድማ ዓብይ ሰረት ዘለዎ ስርዓት ከምዝተተኸለ መርኣያ ኮይኑ አሎ።
አብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን አብ ዝተኻየደ ኩናት ዋላ እኳ በቲ ዝተረበጸ ሓንጎል ዝምራሕ ኢሳያስ ተወጢጡ ይእተው እምበር ነቲ ኩናት ብለባም አካይዳ ግን አሊዎ። እቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኹኑ ወገናት ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ክምንዝዑን አብ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕንፍሽፍሽን ክፈጥሩ ዝሓሰቡ ወገናት ድማ ናብ ቁኑዕ መሰመር ዘትሓዘ ደላይ አቦ ሰላም ኢዩ። ነቲ አብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዝፈሰሰ ደም ንምፍዋስ ዘኽእሉ ሓየለ ስጉምቲታት ወሲዱ።
ከምቲ ጸገም ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተረዲኡ ጸገም ሃገሩ ክፈትሕ ብዘይዕረፍቲ ካብ ንእሰነቱ አትሒዙ ድሰርሐሉ። ህዝቢ ኤርትራውን ብህግደፍ ዘይኢዱ ይፍደ ከምዘሎ ተረዲኡ አብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ነቶም ካብ ስርዓት ኢሳያስ ሃዲሞም ዝመጹ ኤርትራውያን ሓነጎፋይ ኢሉ ብምቕባል ካብ ሓደ መዓሰከር ስደተኛታት ናብ ሐሙሽት መዓሰከራት ክብ ብምባል ንልዕሊ ስልሳ ሽሕ ኤርትራውያን ጽላል ሂቡ። ከምኡ ድማ ካብዞም ስደተኛታት ንኣስታት 300 ኤርትራውያን ዓመታዊ ናይ ላዕለዋይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ዕድል ሂቡ። ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንኤርትራ ክጥረዙ ዝተሓስቡ ሰባት ኢትዮጵያ ንክትቐበሎም ጊሩ። ብመደብ ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር ድማ ንብዙሓት ኣሽሓት ኤርትራውያን ከምዝጣየሱ ሓጊዙ።
ነዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎን ክንየው እዚ ድማ አብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ከምዝብል ብተደጋጋሚ ገሊጽ። ነቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ሙቛም ዝቃለስ ድማ ባይታ ፈጢሩ። ብሞት አቶ መለስ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ደይኮነስ መላእ ዓለም ሓደ ዓብይ መራሒ አቦ ከምድስኣነት ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ይስማዕ አሎ። ብጀካ እቲ ስብእና ናይ ወዲ ሰብ ዘይተላበሰ ብዘይተፈልጠ ናይ ኣእምሮ ጸገም ድሳቐ ዘሎ ኢሳያስ አፈወርቂ ናይ ኩለን ሃገራት መራሒት ሓዘኖም ይገልጹ አለው። እንተ ቴቪ ኢሳያስ ግን ከም መራሒኣ ብተነጽሎ ትሳቐ አላ። እቲ ለባም ህዝቢ ኤርትራ ግን በብገዝኡ ኮይኑ ነቲ ጉዳይ ብሳተላይት ቴሌቪጅናት ብምክትታል ሓዘኑ ይገልጽ አሎ።
በዚ አጋጣሚ ሓዘነይ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንቤተሰብ አቶ መለሰ ዜናዊ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። መጻኢ ግዜያት ድማ ናይ ሰላምን ርግኣትን ግዜ ክኸውን ይምነ።

ተኽለዝጊ ብርሃነ
በርሜንግሃም

No comments:

Ethiopian can not afford a prolonged war.

Ethiopian can not afford a prolonged war. Ethiopia as the poorest country in the world is dependent on aid. A prolonged war simply depletes ...