
ኣብ ዕለት 21.08.2012 ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሞት ጠ/ሚኒስተር አቶ መለስ ዜናዊ ንኹሉ ደላይ ሰላምን ምዕባለን ዘሰነበደ አጋጣሚ ኢዩ። አቶ መለስ አብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣንጻር ገዛእትን ጸቐጥትን ስርዓታት ብኣታሕሳስባን ብኣካልን ዝተጋደለ ሰፊሕን ነዊሕን ራእይ ዝነበሮ መራሒ ኒሩ። አቶ መለስ ብዘይተጎልባብነት ምእንቲ ሓቂ ደሰርሕን ብዘይ ሰክፍታ ርእይትኡ ዝገልጽን አቦ ሰላምን ምዕባለን ኒሩ።
