Monday, August 22, 2016

ብህውከትን ዕግርግርን ፖለቲካዊ መኽሰብ ምሽማት ኣይከኣልን!!

መልእክተ ወይን

ሰላም  ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን ድሕንነት መሰረት እዩ። ሰላም እንተዘይሃልዩ ብዛዕባ ዲሞክራሲ፣ ልምዓትን ቀፃሊ ጉዕዞን ምእማት ኣይከኣልን። ይትረፍ ብዛዕባ ቀፃሊ ኩነታት ውዒልካ ምሕዳርን ወፊርካ ምምላስን እውን

ዝሕሰብ ኣይከውንን። እዛ ሃገር ንብዙሕ ዘመናት ዴሞክራሲ፣ ማዕርነታዊ ሓድነት፣ ፍትሕን ማዕረ ተጠቃምነትን ዝበሃሉ ናይ ህልውና እሴታት/ክብርታት/ ሓሪሙዋ ዝነበረት ሃገር ብምንባራ ሰላም ኣይነበራን። ኣብዝን ኣብትን ዝለዓሉ ፀረ ወፅዓን መፅቀጥትን ዓመፃት ብሓይሊ እቶም ገዛእቲ ደርብታት ዝጭፍለቕሉ መዋእል ዝነበረ እንትኸውን እቶም ዓመፃት ብዝበርዓኑ ቑፅሪ ድማ ገዛእቲ ኣብቲ ህዝቢ ዘውርድዎ ጭፍጨፋን ግፍዕን ዝገደደ መስካሕክሒ ነይሩ። ግፍዓውን ኣድሎኣውን ስርዓታት ዝፈጠርዎ ቀይዲ በተኽ ምምሕዳር ድማ በብኸባቢኡ ፀረ ሰላምን ሸፋቱን ከም ልቦም ክዕንድሩን ህዝቢ ከበሳብሱን ዕድል ይህቦም ነይሩ። ህዝቢ ነዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ ክድዕነን ዝተገበረሉ ምኽንያት ካብ ባህሪ ናይቶም ዝወደቑ ስርዓታት ዝብገስ እዩ። ሎሚ እቲ ዝሓለፈ ፀልማት ኩነታት ሳላ መሪር ቓልስና ተወጊዱ። ናይ ፀልማት ዘበን መግለፅታት ዝነበሩ ኩሎም ወፅዓታትን ምምሕዳራዊ ግፍዕታትን መሳርሒ ዝነበሩ መሓውራት ፈሪሶም መላእ ህዝቢ ሓራ ወፂኡ። ሰላም፣ ዴሞክራሲ፣ ማዕርነታዊ ሓድነትን ጉዕዞ ልምዓትን ምዕባለን ካብ ዝብሰር ድማ እነሆ 25 ዓመት/ርብዒ ክፍለ ዘበን/ ተሳጊርና።

ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመት ሃገርና ብቓልሲ ህዝብታት ብዝተረጋገፀ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናይ ውልቀ ይኹን ጉጅለ ድልየታት ኣብ ምሉእ ዴሞክራሲያዊ መሰል ብዝተመስረተ መስርሕ ብምትእንጋድ ሓደ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ማሕበረሰብ ኣብ ምህናፅ ትርከብ። ዜጋታት ሃገርና ብመንነቶምን ኣረኣእየኦምን ዘለዎም ብዝሓነት ተኸቢሩ ናይ ሓባር ዝኾነት ሃገሮም ዝሃንፅሉ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምዝርጋሕ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዞም ኣለው። ኣብ ከይዲ እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ኣፈላላያት ዝተኣናገድሉን ፀገማት ዝፍትሕሉን ንኹሉ ብማዕረ ዝርእን ዝቕበልን ግልፂ ሕገ መንግስታዊ መስርሓት ተቐሚጡ ኩሉ ዜጋ እናተጠቐመሉ ይርከብ።

እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ሓደ ሓደ ሕቡእን ቅሉዕን ኣጀንዳ ዝሓዙ ሓይልታት ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ተባሂሎም ብመሪር ናይ ህዝብታት ቃልስን መስዋእትነትን ዝተፈጠሩ ዕድላት ንጥፍኣት ኣጀንደኦም መሳርሒ ክጥቀምሎም እንትፍትኑ ፀኒሖም እዮም። ሰላማውን ናይ ህዝቢ ጉዳያትን ኣብ ውሽጢ ዝመስሉ ኣጀንዳታት ንባዕሎም ሓቢኦም ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ፣ ሃገር ንምብታንን ህዝቢ ብናይ ጥፍኣት ዕላማኦም ነንባዕሉ ክዋዳእ ንምግባርን ልኡኽ ሒዞም ብተደጋጋሚ እናተንቀሳቐሱ ፀኒሖም።

እዞም  ካብ  ውሽጢ ክሳብ ደገ ናይ ጥፍኣት መርበብ ዝዘርግሑ ብትምክሕትን ፀቢብነትን ዝተኣኻኸቡ ጉጅለታት ከምኒ ሻዕብያ ብዝበሉ ኢትዮዽያ ናይ ምሕማስ ሕልሚ ብዘለዎም ግብረ ራዕዲ ሓይልታት ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ እናተመርሑን እናተሓገዙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ናይ ጥፍኣት ዕላማኦም ንምትግባር ብዙሓት ፈተነታት ኣካይዶም ኣይሰመረሎምን። ናይቲ በብእዋኑ ዝገብርዎ ፍሹል ምንቅስቓስ መቐፀልታ ኣብዚ ቅነታት ከም ዝተርኣየ ኣብ ሰሜን ጎንደርን ከባቢኡን እውን ተመሳሳሊ ናይ ግብረ ራዕድን ሽፍትነትን ተግባራት ዝፍፅምሉ፣ በዚ ምኽንያት እውን ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ዝጠፍኣሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።

ከም ዝፍለጥ ዝኾነ ሰብ ወይ ጉጅለ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ሰላማዊ ኣብ ዝመስሉ ኣጀንዳታት ንባዕሉ ሓቢኡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ እንትህቅን መንግስትን ህዝብን ኣእዳዎም ኣጣሚሮም ክርእይዎ ኣይኽእሉን። መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ተኸታቲሉ ከምክኖም ግቡእን ሓላፍነትን ኣለዎ። ብዕጥቂን ብዝተወደበን መንገዲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ንምፍራስን ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ውዲት መንግስቲ ክምክቶን ከምክኖን ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ኣብዚ ገበን ዝሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክገብር እውን ግቡኡን ሓላፍነቱን እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ነዛ ኣብ ህንፀት ኸይዲ ዴሞክራሲን ቀፃሊ ምዕባለን ውራይ ተፀሚዳ ትርከብ ሃገር ንምብፅባፅን ንምፍራስን ልኡኽ ዝተቐበሉ ራዕደኛታት ኣብ ከባብታት ሰሜን ጎንደርን ምዕራብ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሰላማዊ ዝመስል ኣጀንዳ ተኸዊሎም ብዝለዓለ ምውዳድን ውዱብ ብዝኾነ መንገዲን ዓመፅ ንምልዕዓል ዝገበርዎ ፈተነ፣ ካብዚ ብምብጋስ መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ሓደጋ ክሕሎ ንምግባር ዘለዎ ግቡእ ዝፈፀመሉ ኣገባብ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዕላዊ ተገይሩ እዩ። እዞም ብጉጅለ ዝተወደቡ ውልቀ ሰባት ንዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ህዝቢ ዘይውክሉ እኳ ደኣስ ናይ ኣርበኞች ግንባር፣ ጉንበት ሰባትን ሻዕብያን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ጥፍኣት ዕሱባት ኮይኖም ህይወት ሰለማውያን ነበርቲ እናቖንፀሉን ንብረት ህዝቢ እናብረሱን እናዘረፉን ዝፀንሑ ገበነኛታት እዮም። ኣብዝሓ ኣባላት ናይቱ ጉጅለ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ንዝገበሮ ክትትል ስዒቡ ኣብ ቁፅፅር እንትውዕሉ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዓሪዶም ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ቶኽሲ ዝኸፈቱ ገለ ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ድማ ዝድለ ስጉምቲ ተወሲዱሎም ኣሎ።

ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ብመሰረቱ ይትረፍ ከምዚ ዝበሉ ፀረ ህዝቢ ልኡኽ ሒዞም ኣብ ቅንፀላን ዘረፋን ዝዋፈሩ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ከም ሃገር ክመፅእ ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን ናይ ሰላምን ድሕንነትን ሓደጋ እውን ናይ ምምካትን ቁልጡፍ ግብረ ምላሽ ናይ ምሃብን ዓቕሚ ዝፈጠረ ምዃኑ ግልፂ እዩ። ነዚ እውን እቲ እንኽተሎ ዘለና ንውሽጥና ዝጠመተ ናይ ሰላም ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስን ኣንፈት ትኽክለኛ እምነት ኣብ መላእ ህዝቢ ብምፍጣሩ እቲ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ ዓቂቡ እናስተማቐሮ ይኸይድ ብምህላዉ ከምዚ ዝበሉ ናይ ህውከትን ዕግርግርን ኣጀንዳታት ዝፃወረሉ እንግድዓ የብሉን።

ፌደራል መንግስቲ ነቶም ዝተፈላለዩ ፀረ ሰላም ተግባር እናፈፀሙ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ከተማ ጎንደር ንዝዓረዱ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ተለኣኣኽቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ንዘጋጠመ ናይቶም ግብረ ራዕዲ ግብረ መልስን ዝተወሰነ ዕግርግርን ኣብ ምእላይ ህዝቢ ዘርኣዮ ምትሕብባርን ፃዕርን በዚ መዳይ ኣዐርዩ ዝድነቕ እዩ። ከምቲ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፀላእትን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሃርበኛታትን ዝሓልምዎ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምግጫው ካብ መሰረታዊ መትከሉ ከውፅኡዎ ኣብዝን ኣብትን ኮይኖም ዝብትንዎም መሕፈሪ በለካ ለኸዐካ ዝፈሸለሉን መልሓሶም ዝሓየኹሉን ናይ መንግስትን ህዝብን ግብረ መልሲ ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ዝተፈፀመሉን ተግባር ኮይኑ ተዛዚሙ ኣሎ።

ሎሚ ፅባሕ ኮነ ቐፃሊ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ብምኽንያት እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ሃገራዊ ሓድነት ዝኾነ ህዝቢ ምስ ካልእ ህዝቢ ዘገራጩን ብፅልኢት ዘረኣእይን ምኽንያት የብሉን። እንተ ኾይኑሎም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከነኻኽሱ ብኹሉ ዓቕሞም ዝፅዕሩ እቶም ትማሊ ብቓልስና ዝሰዓርናዮም ተረፍ መረፍ ሓይልታት ትምክሕቲ፣ ፀቢብነትን ናይ ሻዕብያ ተለኣኣኽትን ኣብዝን ኣብትን ዘሎ ኣጀንዳ ብምንብድባድ ስርዓትና ንምፍራስን ማዕርነታዊ ሓድነት ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕን ዝገብርዎ ፈተነ ንቕድሚት እውን መልክዑ እናቐያየረ ምቕፃሉ ኣይተርፍን። ይኹን እምበር ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ሰላምና፣ ዴሞክራሲና፣ ማዕርነታዊ ሓድነትናን ከይዲ ልምዓትናን ከይኹለፍ ዝዓበየ ቃልስን ጥብቅናን ካብ ህዝቢ ትፅቢት ይግበር። ብህውከትን ዕግርግርን ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምሽማት ህርዲግ ዝብሉ ዘለዉ ኩሎም ክራይ ኣከብቲ ሓይልታት ፈፂሙ ከምዘይከኣል ህዝብና ከምልማዱ ከምህሮም ይግባእ።    

Friday, August 19, 2016

ህወሃት የብሄር ብሄረሰብ እኩልነትን የማይቀበሉ ሃይሎች የሚፈጽሙትን ህገወጥ ተግባር ከመላው ህዝብ ጋር እንደሚታገል አስታወቀ

አዲስ አበባ ፣ ነሃሴ 13 ፣ 2008 (ኤፍ ቢ ሲ) ህገ መንግስታዊ ስርአትን በሁከት ለማፍራረስና የብሄር ብሄረሰብ እኩልነትን የማይቀበሉ የትምክትና የጠባብነት ሃይሎች የሚፈጽሙትን ህገወጥ ተግባር ከመላው የኢትዮጵያ ህዝብ ጋር በመቆም እንደሚታገል የህወሃት ማዕከላዊ ኮሚቴ አስታውቋል።

አራተኛ አመት የታላቁ መሪ መለስ ዜናዊ መታሰቢያን አስመልክቶ የህዝባዊ ወያኔ ሃርነት ትግራይ/ ህወሃት/ ማዕከላዊ ኮሚቴ ባወጣው መግለጫ እነዚህ ሃይሎች የሚፈጽሙትን ማንኛውም ተግባር ከአጋር ድርጅቶቹና ከመላው የኢትዮጵያ ህዝቦቹ ጋር በመሆን ህዝባዊ ፍርድ እንዲያገኙ አደርጋለሁ ነው ያለው።

ማእከላዊ ኮሚቴው በሰውና በንብረት ላይ በደረሰው ጉዳትም ጥልቅ ሃዘን እንደተሰማው ገልጿል።

አራተኛ አመት የታላቁ መሪ መለስ ዜናዊ መታሰቢያ ሲከበር መልካም አስተዳደር ለማረጋገጥና ልማትን ለማፋጠን የሚሰራውን ስራ በማጠናከር ነው ብሏል መግለጫው።

Thursday, August 18, 2016

The idiocy yet unprofessional behavior of Aljezeera and violation of ethics of Journalism


On August 14, 2016 Aljezeera aired it's show "Inside Story". The show is supposed to be about Ethiopia Government. The show started with host making false allegation towards Ethiopian Government.  Then the host passed it Charles Stratford who is stationed in Ethiopia. Mr Charles Stafford makes blatant yet unfounded narrative that the Oromo and Amhara are joining forces. Charles didn't make sense at all. His report was vague.  Then the opportunity is given Tsedale Lemma. Tsedale makes bizarre reporting from Ethiopia which are untrue. I guess Tsdale and Charles are "Ethiopian station reporter" for Al Jazeera :)

Now the host gives the chance to Mr Getachew Reda for his side of the story. The host was aggressive and disrespectful towards Mr Getachew even interrupting him before he could answer her.

Then there are two more people on the panel anti Ethiopian Government guests Ezikel Gebissa from America and Felix Horne of Human Right Watch. They both regurgitate the usual talking points. Ezikel Gebissa makes bizarre allegation that Ethiopian can't go out to play or engage in daily life. That is a lie. The host should have challenged him on that lie. Felix Horne who is supposed to be human right watch didn't address the plight of Tigray people in Gonder. He ignored that for a reason.

Finally,  5 people against 1 person debate was unfair to say the least.  Aljezeera should have invited other people that can balance out the ratio. What was the rationale to have Mr Getachew debate FIVE People? unless it was done on purpose. This is unfair for the viewers and gives bad name for journalism.

Ethiopian can not afford a prolonged war.

Ethiopian can not afford a prolonged war. Ethiopia as the poorest country in the world is dependent on aid. A prolonged war simply depletes ...